ናሕሶት ፕሮፓጋንዳ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ገስጋስ ዓወት ሰራዊትና ኣየዓግቶን – ሚኒስቴር ሰራዊት ምክልኻል

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ናሕሶት ፕሮፓጋንዳ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ገስጋስ ዓወት ሰራዊትና ኣየዓግቶን ክብል ሚኒስቴር ሰራዊት ምክልኻል ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቡ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ካብ ዝፍለጠሎም ሜላታት ሓደ ሓሶት ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

እቲ ጉጅለ ሓይሊ እንትውሕዶ መልሓሱ ይነውሕ፤ ዘይኮኖ ኮይነ፣ ዘይገበሮ ገይረ ይብል፤ እዚ ድማ ተወሊዱ ዝኣረገሉ ባህሪኡ ከምዝኾነ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡፡

ሓደ መዓልቲ ሓቂ ካብ ኣፉ ወፂኣ ዘይትፈልጥ እቲ ጉጅለ፤ ስዕረቱ ስም ሰራዊት ምክልኻል ብምንእኣስ ከምዝኾነ ዝገለፀ ሚኒስቴር ምክልኻል፥ ደገፍቱ ክሳርኡ ከይፈልጡ፣ ሰላማዊ ህዝቢ ደቁን ምግቢን ከየሓትት ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ነውሩ ከይግንዘብ ናይ ኩሉ እዋን ዝተለመደ ሜላ ከምዘለዎ ንሱ ድማ ሽም ሰራዊት ምፅልእላእን ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

“ጅግና ሰራዊትና ኣብ ዘይወዓሎን ባህሪኡ ኣብ ዘይኮነን ጉዳይ ብፕሮፓጋንዳ እቲ ጁንታ ድራማ እናሰርሐ ርኢና፣ ሰሚዕና፣ ኣብዚ ቦታ ሰላማዊ ህዝቢ ናብ ገደል ኣፅዲፉ፣ ኣብዚ ድማ ኣቃፂሉ ዝብሉ ብሕሶት ዝተቐነባበረ ንዓለም ዝበፅሑ ድራማታት ተዓዚብና ኢና” ክብል እውን ኣዘኻኺሩ፡፡

እቶም ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ምክልኻል ዝተገበሩ ወፍሪታት ምጥፋእ ሽም ልክዕ ፀሓይ ከምዝወቕዖ ህቦ ሽዑ ንሽዑ ሓቁ ተፈሊጡ ከምዝቃላዕ ዝሓበረ እቲ ሚኒስቴር፥ ንግዚኡ ደገፍቱ የጨፍር እምበር ፀኒሖም ግን ህዝቢን ማሕበረሰብ ዓለምን እናተገንዘቡ ከምዝመፅኡ ገሊፁ፡፡

ዋላ እኳ ፀላእቲ ሰራዊትና እብ ዘይወዓሎን ባህሪኡ ዘይኮነን ጭቃ ክልጥፉሉ ይፈትኑ እምበር፥ ንሱ ግና ክሳብ ሕዚ ከምዝገበሮ ንሓቂ ደው ብምባል ናይ ዓወት ገስጋሱ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ” ክብል ካብቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment