ናህሪ ዋጋ ፍርያት መሰረታዊ ጠለባት ከየጋጥም እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ዝቕፅል በዓል ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ናህሪ ዋጋ ፍርያት መሰረታዊ ጠለባት ከየጋጥም ብምውዳድ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ተሻለ በልሁ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ጠለብን ቀረብን ዘይምምጥጣን፣ ዝውውር ሸቐጣት ብኬላ ምግዳብ፣ ፀገም ፀፅታን ምውሳኽ ዋጋ ዕዳጋ ዓለም ንናህሪ ዋጋ ምኽንያት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

መጪውን የዘመን መለወጫ በዓል ተከትሎም በመስከረም ወር በዓላት ስለሚበዙ በሸማቹ ላይ አላስፈላጊ የዋጋ ጭማሪ እንዳይኖር ከክልሎችና ከተማ አስተዳደር ንግድ ቢሮዎች ጋር በቅንጅት እየተሰራ መሆኑን አረጋግጠዋል፡፡

ዝቕፅል በዓል ሓዱሽ ዓመት ስዒቡ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ መስከረም በዓላት ስለዝበዝሑ ኣብ ልዕሊ ሸመትቲ ዘየድሊ ወሰኽ ዋጋ ከይህሉ ምስ ቢሮ ንግዲ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ብምውዳድ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣረጋጊፆም።

ብዕዳጋ ቀዳምን ሰንበትን ኣቢሉ ኣድለይቲ ዝኾኑ ፍርያታት ሕርሻ፣ ኢንዱስሪ፣ ኣትክልቲን ፍረምረን ብተመጣጣኒ ዋጋ እናቐረቤ ከምዝኾኑ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment