ናህሪ ዋጋ ፈተና ማክሮ ኢኮኖሚ ከምዝኾነ ብምፍላይ ጠመተ ሂብካ ንምስራሕ ኣንፈት ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናህሪ ዋጋ ፈተና ማክሮ ኢኮኖሚ ከምዝኾነ ብምፍላይ ጠመተ ሂብካ ንምስራሕ ኣንፈት ከምዝተትሓዘ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፁ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 19 ስሩዕ ኣኼባ ኣፈፃፅማ ስራሕ 9 ኣዋርሕ እቲ ሚኒስቴር ገምጊሙ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም አሰፋ (ዶ/ር)፥ ብማይክሮ ኢኮኖሚን ካልኦት ሃገራዊ ዓውዲታት ልምዓትን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣብሪሀን።

መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመት ዘጋጠሙ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ፈተናታት ብምፅዋር ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ኣብ ምዕባይ ከምዘሎ ገሊፀን።

ስለዝኾነ ኣብ 2015 ዓ.ም 7 ነጥቢ 5 ሚኢታዊት ዕብየት ንምምዝጋብ ዝተትሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ይስራሕ ኣሎ ኢለነ።

ናህሪ ዋጋ ፈተና ማክሮ ኢኮኖሚ ከምዝኾነ ብምፍላይ ጠመተ ሂብካ ንምስራሕ ኣንፈት ከምዝተትሓዘ እውን ገሊፀን።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment