ናህሪ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዘጋድዱ ልዕሊ 103 ሺህ ዘይሕጋውያን ኣካላት ስጉምቲ ተወሲዱ-ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናህሪ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዘጋድዱ ልዕሊ 103 ሺህ ዘይሕጋውያን ኣካላት ሕጋዊን ምምሕዳራዊን ስጉምቲ ተወሲዱ ክብል ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ገሊፁ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶመበል ሓምሻይ ስሩዕ ጉባኤኡ፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ እቲ ሚኒስቴር ኣዳሚፁ።

ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላ÷ ኣብ ስርዓት ንግዲ ዝረኣዩ ዕንቅፋታት ንምፍታሕ ብሄራዊ ንግዲን ፖሊሲ ፅሬትን ከምኡውን ስትራቴጂ ኤክስፖርት፣ ሕጋዊ ስነ ልክ ተዳሊዩ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣባላት እቲ ባይቶ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ምኽኒያት ነብረቶም ዝዓነዎም ነጋዶ ንምሕጋዝ ዝተገበረ ፍሉይ ሓገዝ፣ ናይሪ ዋጋ ሸቐጥ፣ መንኣስ ኣቕርቦት ነዳዲን ወሰኽ ዋጋ ክራይ ገዛን ዝመልከቶ ሕቶታት ኣቕሪቦም።

ምብዛዕ ዘይሕጋዊ ደላሎ፣ ኣፍረይቲ ምስ ተረባሕቲ ምትእስሳር ዕዳጋ ንክፍጠር ዝግበር ፃዕሪ ከምኡውን ኣብ መንጎ ሰብ መዚ መንግስቲን ሰብ ሃፍቲን ዝርአ ዘይግቡእ ርክብ ብዝምልከት ሕቶታት ኣቕሪቦም።

ናህሪ ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዘጋድዱ ልዕሊ 103 ሺህ ዘይሕጋውያን ኣካላት ሕጋዊን ምምሕዳራዊን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ምግላፁ ካብ ባይቶ ወከልቲ ሀዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment