ናህሪ ዋጋ ንምህዳእ ዘኽእል ምምሕያሽ ፖሊሲ ገንዘብ ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናህሪ ዋጋ ንምህዳእ ዘኽእል ምምሕያሽ ፖሊሲ ገንዘብ ንምግባር ከምዝወሰነ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ማሞ ምህረቱ÷ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡

እቲ መመሓየሺ ፖሊሲ ገንዘብ÷ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር እናሓለ ዝመፅአ ናህሪ ዋጋ ትርጉም ብዘለዎ መልክዑ ንምቁፅፃር ቦርድ ዳይሬክተራት ብሄራዊ ባንኪ ዘሕለፎ ውሳነ ከምዝኾነ ኣይተ ማሞ ምህረቱ ኣብ መግለፂኦም ኣመልኪቶም።

“ካብ ሞንጎ እቶም ውሳነታት ንመንግስቲ ዝወሃብ ቀጥታ ልቓሕ ኣብ ዝሓለፈ መት ካብ ዝተውሃበ ልቓሕ ካብ ሲሶ (1/3) ከይሓልፍ ክግበር ኢዩ” ኢሎም።

ባንኪታት ሕፅረት ገንዘብ እንተጋጥመን ካብ ብሄራዊ ባንኪ ዝወስደኦ ልቓሕ ኣብ ፋሲሊቲ ልቓሕ ዝኸፍሉዎ ወለድ ካብ 16 ሚኢታዊ ናብ 18 ሚኢታዊ ክብ ንኽብል ከምዝግበር እውን ገሊፆም።

ኣብ ንግዲ ወፃኢ ዝተዋፈሩ ለኣኽቲ ሸርፊ ወፃኢ ንኸመሓላልፉ ዘለዎም ግቡእ ካብ 70/30 ናብ 50/50 ክመሓየሽ ከምዝግበር እውን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ፡፡

ብበርናባስ ተስፋዬ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment