ኒውዝላንድ ንመፈፀሚ መረፃ ኢትዮጵያ ዝውዕል 1 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ገንዘባዊ ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኒውዝላንድ ኣብዚ ዓመት ንዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ መፈፀሚ ዝኸውን 1 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ገንዘባዊ ሓገዝ ገይራ።

እቲ ስምምዕነት ሓገዝ፥ ተወካሊ ትካል ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ቱርሃን ሳለህን ኣምባሳደር ኒውዝላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ማርክ ራምስደን ኢዮም ተፈራሪሞምዎ።

ቱርሃን ሳለህ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ መንግስቲ ኒውዝላንድ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ተኣማኒ መረፃ ንኸካይድ ኣብ ዝግበር ዘሎ ጥምረት ክፅምበር ምኻኣሉ ኣመስጊኖም።

ቅድም ክብል ዝተፈላለያ ሃገራት ንመፈፀሚ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ዝውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ ዝገበራ እንትኾና፥ ካብ ውሽጢ እዚኣተን ድማ ዴንማርክ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ፣ ፊንላንድ 800 ሺሕ ዩሮ፣ ከምኡ እውን ካልኦት ሃገራት ብልምዓት ፕሮግራም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣቢለን ሓገዝ ምግባረን ይዝከር።

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ረቂቕ ግዘ ሰሌዳ ቀፃሊ ሃገራዊ መረፃ ዕላዊ ምግባሩ ዝፍለጥ እንትኸውን፥ 10 ነሓሰ 2012 ዓ.ም መዓልቲ መረፃ ንኽኸውን ኣብቲ ረቂቕ ግዘ ሰሌዳ ተቐሚጡ ኢዩ።

Comments (0)
Add Comment