ኒውዝላንድ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝግበር ድርድር ግድብ ህዳሰ ዘለዋ ሓገዝ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኒውዚላንድ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኒውዝላንድ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ዝግበር ድርድር ውፅኢት ከምፅ ኢዩ ኢላ ከምተኣምን ኣምባሳደር ኒውዝላንድ ኣብ ኢትዮጵያን ሕረት ኣፍሪካን ሚካኤል ኣፕተን ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ምስ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ተዛቲዮም።

ኣብ እዋን ዘተኦም ድማ ሃገሮም ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኒውዝላንድ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ዝግበር ድርድር ውፅኢት ከምፅ ኢዩ ኢላ ከምተኣምንን ነዚ ከምትድግፍን ገሊፆም።

ኣብ ዝቕፅል እዋን ዜሮ መጠን ምልቃቕ ካርበን ንምዕዋት ሃገሮም ብወገን ሕብረት ኣፍሪ ሓገዝ ገንዘብ ንምግባር ከምዝሃቀነት ብምግላፅ ካብ ሞንጎ እዚ ኢትዮጵያ ሓንቲ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ሃብታሙ ብግደኦም፥ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ልዕሊ 4 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ገሊፆም።

እዚ ድማ ሩባ ኣባይ ሓዊሱ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ማያዊ ኣካላት ድሕንነቶም ንምሕላው ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ግድብ ህደሰ ኢትዮጵያ ንሱዳንን ግብፂን ዘለዎ ረብሓ ምብረሆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment