ኒሆን ሂዳንክዮ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2024 ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ መጥቃዕቲ ኒውክለር ቦምብ ሂሮሺማን ናጋሳኪን ዝተረፉ ጃፓናውያን ዘጣየሹዎ ‘ኒሆን ሂዳንክዮ’ ዝተብሃለ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2024 ኮይኑ።

ኒሆን ወይ ድማ ሂባኩሻ እናተብሃለ ዝፍለጥ እቲ ማሕበር÷ ኒውክለር ቦምብ ዳግም ኣብ ረብሓ ከይውዕል እናሰርሐ ዝርከብ ኢዩ።

ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፤ እቲ ማሕበር ካብ መሳርሒ ኒውክለር ዝነፅሀት ዓለም ንምፍጣር ካብ ዝገብሮ ፃሪ ሓሊፉ ኒውክለር ቦምብ ዳግም ኣብ ረብሓ ክውዕል ከምዘይብሉ ናይ ተግባር ምስክርነት እናሃበ ከምዝፀንሐ ገሊፁ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ዓውዲ ሽልማት ኖቤል ሰላም 197 ውልቀ ሰባትን 89 ትካላትን ብሓፈሻ 286 ሕፁያት ከምዝቐረቡ ኣፍሊጡ።

ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ጆርገን ፍራይድነስ÷ ኒሆን ሂዳንክዮ እቲ ሽልማት ምዕዋቱ ኣፅዋር ኒውክለር ኣብ ረብሓ ከይውዕል ምግባር ግቡእ ከምዝኾነ ከምዘገንዝብ ምግላፆም ዘ ኢንዲፔንደንት ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment