ነፃ ቀጠና ንግዲ ኣፍሪካ ኣብ ወርሒ ሓምለ ስርሑ ብዕሊ ክጀምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነፃ ቀጠና ንግዲ ኣፍሪካ ስርሑ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2012 ዓ.ም ብዕሊ ንምጅማር ዘኽእል ስምምዕነት 54 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝኸተማ ኮሚሽነር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ሙቻንጋ ኣልበርት ገሊፆም።

28 ሃገራት ኣፍሪካ ነቲ ስምምዕነት ኣብ ነናይ ባዕለን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምቕራብ ከምዘፅደቕኡ እውን ተሓቢሩ።

ሰነድ ስምምዕነት ነፃ ቀጠና ንግዲ ኣፍሪካ፥ ሸሞንተ ሓፈሻውን ሸውዓተ ዝርዝርን ዕላማታት ዘለውዎ ኢዩ።

ኣብ ኣፍሪካ ዝተዋደደ ምዕባለ ኢኮኖሚ ንምፍጣር ኣብ ስምምዕነት ዝተደረኸ ናፃ ዕዳጋ ኣቑሑን ኣገልግሎትን ምርግጋፅ ዝብል ካብ ሓፈሻዊ ዕላማታቱ ተረቋሒ ኢዩ።

ስለዝኾነ ኣምባሳደር ኣልበርት ሙቻንጋ ከምዝበልዎ፥ እቲ ነፃ ቀጠና ንግዲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2012 ብዕሊ ስርሑ ክጀምር ኢዩ።

ኣብ ዋና ከተማ ኒጀር ዝኾነት ከተማ ኒያሚ 30 ሰነ 2011 ዓ.ም ኣብ ዝተሳለጠ ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ፥ እቲ ነፃ ቀጠና ንግዲ 24 ሰነ 2012 ዓ.ም ስርሑ ንክጅመር ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝተገበረ እውን እቶም ኣምባሳደር ተዛሪቦም።

ሰነዳት ፍሪያትን ምክፍፋልን ብዝምልከት ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ንግዲ ግንዛበ ንምፍጣር ዘኽእል ስራሕቲ ክሳብ ወርሒ ግንቦት 2012 ዓ.ም ከምዝፍፀም ድማ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ነቲ ሰነድ ስምምዕነት ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምቕራብ ወርሒ መጋቢት 2012 ዓ.ም ከምዘፅደቐት ይዝከር።

Comments (0)
Add Comment