ነፀላ ያታታት ብምግዳፍ ሓበራዊ ዝኾኑ ያታታት ንምጥንኻር ምስራሕ ይግባእ-ኣይተ ሙስጠፌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነፀላ ያታታት ብምግዳፍ ሓበራዊ ዝኾኑ ያታታት ንምጥንኻር ምስራሕ ይግባእ ከብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልለ ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ገሊፆም።

እቲ መድረኽ፥ “ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ንዘላቒ ሰላምን ኩለ መዳይ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ቦንጋ መድረኽ ህዝባዊ ዘተ ይሳለጥ ዘሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ካብ ከተማ ቦንጋን ከባቢኡን ዝመፅኡ ነበርቲ ክፋላት ሕብረተሰብ ተሳቲፎም።

ኣብቲ ዘተ፥ ዝፀንሑ ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር ምላሽ ይረኽቡ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ድሕሪ ለውጢ ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ጅማሮታት ስራሕቲ ልምዓት ብዘላቕነት ናብ ፍፃመ ንምብፃሕ እቶም ተሳተፍቲ ርእይቶ ሂቦም።

ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይ፣ ተበፃሕነት መሰረተ ልምዓት፣ ብሄራዊ ሙዚየም ቡና ናብ ስራሕ ዘይምእታው ወዘተ ዘብሉ ሕቶታት ብምቕራብ ጠመተ ንክወሃቦም ተሓቲቱ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዝረኣዩ ፀገማት ፀፅታ ብነፃነት ተዘዋዊርካ ንምስራሕ ዝዓግት ተግባር ብምዃኑ መንግስቲ ቆላሕታ ክህቦ ይግባእ ተባሂሉ።

ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ፥ ዝረኣዩ ፀገማት ደረጃ ብደረጃ እናተፈትሑ ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment