ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር ኢ/ር) ኣብ ወረዳ ገዜ ጎፋ ጉድኣት ንዝበፅሖም ኣፅናዕኒዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ (ዶ/ር ኢ/ር) ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ቀበሌ ኬንቾ ሻቻ ጎዝዲ ብዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ኣፅናዕኒዖም።

ካብ ኣመራርሓ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ኣመራርሓ ኣካላት ምምሕዳር ዞባ ወላይታን ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶን ኣብቲ ቦታ ብምርካብ በቲ ሓደጋ ናይ ዝተጎድኡ ስድራ ግዳያት ኣፅናዕኒዖም፡፡

ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብጥረ ገንዘብ 5 ሚሊየን ብር ከምኡ እውን ብዓይነት 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝግመት ናውቲ ሓገዝ ከምዝገበረ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ገሊፆም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ወላይታ ኣይተ ሳሙኤል ፎላ ብግደኦም÷ ብዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ፤ እቲ ዞባ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዝግመት ሓገዝ ናውቲ ከምዝገበረ ኣብሪሆም።

ብማቱሳላ ማቴዎስን መለስ ታደለን

Comments (0)
Add Comment