ነዳዲን ተፈጥሮ ጋዝን ኢትዮጵያ ኣብ ረብሓ ምውዓል ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር መዓድን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ነዳዲን ተፈጥሮ ጋዝን ኢትዮጵያ ኣብ ረብሓ ምውዓል ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ኸቲሙ።

እቲ ስምምዕነት ኔዘርላንድስ ስዌልን ኣሶሼት ኢንክን ምስ ዝተብሃለ ኩባንያ ኣሜሪካ ኢዩ ተፈሪሙ።

እቲ ኩባኒያ ኣብ ክልል ሶማሌ ኦጋዴን ቤንዚን ኣብ 3 ሺሕን 500 ስኩዌር ኪሎ ሜትር ስፍሓት ዝተሰርሑ ውፅኢታት ምድላይን መፅናዕቲን መበገሲ ብምግባር ኣብቲ ከባቢ ዘሎ መጠን ነዳዲን ተፈጥሮ ጋዝን ናይ ምፍላጥን ኢኮኖሚያዊ ገምጋም ዘርእይ መፅናዕቲ ከካይድ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ስምምዕ ሚኒስቴር ማዕድን ኢንጂነር ታከለ ኡማ፣ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን፣ ተወከልቲ እቲ ኩባኒያን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።

ብጥበበስላሴ ጀንበሩ

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment