ነዚ ዘበን ዝምጥን ኣተኣኻኽባ ስርዓት እቶት ምትግባር ይግባእ- ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መጠን እቶት ኢትዮጵያ ከብ ንምባል ካብ ልሙድ ኣሰራርሓ ብምውፃእ ነዚ ዘበን ዝምጥን ኣተኣኻኽባ ስርዓት እቶት ምትግባር ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣተሓሳሲቦም።

ኮሚቴ ኣፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ኣፈፃፅማ ሃገራዊ ልምዓት፣ ሰላምን ፖለቲካን 9 ኣዋርሕ ኣብ ጎርጎራ ገምጊሙ።

ኣብቲ መድረኽ ሰፊሕ መብርሂ ዝሃቡ ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣታዊ እዚ ዓውዲ እናወሰኸ ምምፅኡ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እናነፃፀሩ ኣቕሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ካብ ኩሎም ዓይነታት ታክስን ቀረፅን 324 ቢሊየን ብር ዝተኣከበ እንትኸውን፥ ኣብ 2016 ዓ.ም ግን 374 ቢሊየን ብር ከምዝተኣከበ ተዛሪቦም።

ናይ ሓባር ኣታዊ ኣብ 9 ኣዋርሕ 2015 ዓ.ም 42 ቢሊየን ብር ዝነበረ እንትኸውን፥ ኣብ ተመሳሳሊ ኣዋርሕ ሎሚ ዘበን 54 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ሓፈሻዊ ዝእከብ ኣታዊ ግን ካብ ዓቕሚን ድልየትን እዛ ሃገር ንታሕቲ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝእከብ ዘሎ ኣታዊ ክብ እንተዝብል ንትውልዲ ዝረብሕ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ምህናፅን ምዕባለ ሃገር ምርግጋፅን ከምዝከኣል ኣገንዚቦም።

ስለዝኾነ ነዚ ዘበን ዝምጥን ኣተኣኻኽባ ስርዓት እቶት ምትግባር ይግባእክብሉ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment