ነቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት እንትሰርሑ ዝነበሩ ናይ ሰራዊት ኣባላት ናይ ጥፍኣተኛታት ውሳነ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣  19 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ) ናይ ደቡብ እዚ ወታደራዊ  ቤት ፍርዲ ናይቲ እዚ ናይ ሰራዊት አባላት ኮይኖም ነቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት እንትሰርሑ ዝነበሩ ናይ ሰራዊት ኣባላት ናይ ጥፍኣተኛታት ውሳነ ሂቡ።

እቶም ኣባላት ሰራዊት ንሕገ-መንግስቲን ንሃገሮምን ዝኣተውዎ ቃል ኪዳን ንጎኒ ብምግዳፍ ናይቲ ሰራዊት ኣጠቓላሊ ምንቅስቓስ ኣብ ሓደጋ ዘውድቑን ናይ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ዘጠናኽሩን ተግባራት አንትፍፅሙ ከምዝነበሩ ኣብቲ መጋባእታ ተገሊፁ።

ብፍላይ ናይቲ ሰራዊት ዝተፈላለዩ ምስጢራዊ ሰነዳት  ንትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ኣሕሊፎም ብምሃብ፣ ናይ ሰራዊት ዝተፈላለዩ ዕጥቂታት ትፅቢት ዝግበረሎም አገልግሎት ንከይህቡ ምስጢራዊ ቡድን ብምውዳበን መሳሪያታት ብምድላውን ይሰርሑ ከምዝነበሩ እውን ተገሊፁ።

ኣት ትሕቲ መዝገብ እቶም ተኸሰስቲ፡-

  1. ንግዳጅ ዝተዘጋጀዉ መሳሪያታት ትፅቢት ዝግበረሎም አገልግሎት ንከይህቡ ብምግባር
  2. ሰራዊት ግብረ ራዕዲ ኣባላት ሸኔ ንምድምሳስ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ዕለት ቀዲሞም ሓበሬታ ብምሃብን ተልእኹኡ ተደላዪ ውፅኢት ንከይረክብ ብምግባርን
  3. ናይ ሰራዊት ምስጢራዊ ተግባራት ንሽብርተኛ ኣካል ንክበፅሕ ብምግባር፣
  4. ብላዕለዋይ ኣካል ዝወሃቦም ተልእኾ ንጎኒ ብምግዳፍ ካብ ሽብርተኛ ኣካል ዝወሃቦም ሕቡእ ኣጀንዳ ምፍፃም ኣብ ዘኽእሎም ኣካይዳ ጥራሕ ምትኳር፣
  5. ናይ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ “ኣብ ልዕሊ ወታደራት ብልፅግና” ዓወት ይሓፍሱ ኣለዉ ዝብል ራዕዲ ብምንዛሕ ኣብቲ ሰራዊት ዝርከቡ ናይ ትግራይ ተወለድቲ ናይ ሰራዊት ኣባላት ብምልዕዓል ደው ዝበልሉ ዕላማ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ናይ ገበን ተግባር ኣካል ንክኾኑ ብምግባር፣
  6. ደው ካብ ዝበልሉ ሃገራዊ ዕላማ ወፃእ ንክልል ፍሉይ ሓይሊ ዝጠቅም ተግባራት ምፍፃም ዝብሉ ክሲታት ተዘርዚሮም።

እቶም ተኸሰስቲ ዝቐረበሎም ክሲ ብምኽሓድ ዝተኸራኸሩ እንትኾኑ ናይቲ እዚ ጉጅለ ፍትሒ ናይ ሰነድን ናይ ሰብን መረዳእታ ኣቕሪቡ ምክርኻሩ ኢቢሲ ዘጊቡ።

የማነ ፀጋም ዘዳመፀ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ እቶም ተኸሰስቲ ኣብ ዝቐረበሎም ክሲታት ብትኽክል ምክልኻል ዘይከኣሉ ብምዃኖም ጥፍኣተኛታት ኢዮም እንትብል ብምውሳን ናይ ቅፅዓት ውሳነ ንምሃብ ተለዋጢ ቆፀሮ ብምሃብ እቲ መጋባእያ ምዝዛሙ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment