ነቲ ኲናት ህልውና ምፅዋር ዘኽእል ኢኮኖሚ ንምህናፅ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነቲ ኲናት ህልውና ምፅዋር ዘኽእል ኢኮኖሚ ንምህናፅ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፡- ነቲ ኲናት ህልውና ምፅዋር ዘኽእል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ጎና ጎኒ ንዜጋታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር መንግስቲ ትኩረት ሂቡ ካብ ሞንጎ ዝርሐሎም ጉዳያት ምዃኑ ገሊፀን፡፡

እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ እቲ ኢኮኖሚ ከብፅሖ ዝኽእል ፅዕንቶ ብዝተፈላለየ መልክዕ ንምንካይ ካብዚ ሐዚ ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተገበረ ምዃኑ ኣፍሊጠን፡፡

ነዚ እውን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ 169 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ንምርካብ ተተሊሙ እናተሰርሐ ምንባሩ ብምሕባር፤ ልዕሊ 157 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ከም ዝተረኸበ ኣረዲአን፡፡

እቲ ኣፈፃፅማ ድማ 92 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ እንትኾን ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር ብ30 ነጥቢ 8 ሚኢታው ብልጫ ከም ዘርአየ ኣብሪሀን፡፡

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ ኣጎዋ ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝሓዞ ቅዋም ፤- ሓደሽቲ መማረፅቲ ዕደጋ ንዘፈራት ኣምረቲ ንምድላው ከምዝተተለመ ኣብቲ መግለፂ ኣልዒለን፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment