ነበር ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ቡሌ ሆራ ጫላ ዋታ (ዶ/ር) ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ቡሌ ሆራ ጫላ ዋታ (ዶ/ር) ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ተጠርጣሪ ብመርማሪ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ኢዮም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ልደታ 1ይ ምድብ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ ቀሪቦም።

ብገበን ግዕዝይና ተጠርጢሮም ናይ ዘምኽሳስ መሰሎም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተልዓለ ነበር ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ቡሌ ሆራ ጫላ ዋታ (ዶ/ር) ብዝተኸፈተ መዝገብ እዋን ቆፀሮ ሎሚ መዓልቲ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም፡፡

እቶም ተጠርጣሪ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ሓላፊ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፥ መምርሒ ዕድጊት ብዘይተኸተለ መገዲ ዕድጊት ንብረት ምስላጥ፣ ሕጊ ዘይተኸተለ ውዕሊ ተቛራፂ ስራሕ ምፍፃምን ናብ ስራሕ ምእታውን ከምኡ እውን ዘይተገበአ ጥቕሚ ብምርካብ ብገበን ግዕዝይና ተጠርጢሮም ምርመራ ከምዝተጀመረ ፖሊስ ንመጋባእያ ኣረዲኡ።

በዚ መበገሲ መረዳእታ ሰነድ ከምዝተኣከበ ዘብረሀ ፖሊስ፥ ዝተረፈ መረዳእታ ሰነድን ቃል መሰኻኽርን ንምቕባልን ተወሳኺ 14 መዓልቲ ምርመራ ንኽወሃቦ ሓቲቱ።

ተጠርጣሪ ብግደኦም÷ ምንም ገበን ኣይፈፀምኩን ክብሉ ብምክታዕ መሰል ዋሕስ ንኽበረሎም ሓቲቶም።

መዝገብ ምርመራ ዝተመለከተ መጋባእያ እዋን ቆፀሮ፥ ሕቶ ዋሕስ ተጠርጣሪ ንግዚኡ ውድቂ ብምግባር ተወሳኺ ምርመራ ከምዘድሊ ብምእማን ፖሊስ ዝሓተቶ 14 መዓልቲ ተወሳኺ እዋን ምርመራ ፈቒዱ።

ብታሪክ ኣዱኛ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment