ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ መዋይ ኪባኪ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ኬንያ መዋይ ኪባኪ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።

ሳልሳይ ነበር ፕሬዚዳንትን ኬንያ ነታ ሃገር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2003 ክሳብ 2013 ዝመርሑን መዋይ ኪባኪ፥ ኣብ 90 ዓመቶም ሎሚ መዓልቲ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለዩ ተገሊፁ፡፡

ፕሬዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ሕልፈት እቶም ነበር ፕሬዚዳንት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ መላእ ሃገር ብሄራዊ መዓልቲ ሓዘን ከምዝተኣወጀ ኣፍሊጦም፡፡

ንኽብሮም እንትበሃል ድማ ሰንደቕ ዕላማ እታ ሃገር ትሕት ኢሉ ንኽውልብለብ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም፡፡

ኪባኪ ኬንያ ኣብ ኣፀጋሚ እዋን ካብ ምምረሖም ሓሊፉ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽበፅሕ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ምብርካቶም ይዝረብ፡፡

Comments (0)
Add Comment