ነበር ፕሬዚዳንት ብራዚል ምስ ክታበት ኮቪድ ተተሓሒዙ ክሲ ተመሰሪቱዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ፕሬዚዳንት ብራዚል ጄር ቦልሶናሮ ብገበን ምጭብርባር ሓበሬታ ክታበት ኮቪድ ብፖሊስ ክሲ ተመስሪቱዎም፡፡

ቦልሶናሮ ክታበት ኮቪድ 19 ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ኣብ ብራዚሏ ከተማ ሳኦ ፖሎ ከምዝወሰዱ ሓበሬታ ሕክምና ይግለፅ እምበር፤ ብዝተገበሮም ምርመራ ኣብ ዝተፀርሐ ዕለት ኣብ ከተማ ሳኦ ፖሎ ከምዘይነበሩ ተረጋጊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ዘይተፈቐደ ክኒን ብምውሳድ ብራዚላውያን ዘይተረጋገፀ መድሓኒት ኮቪድ 19 ክወስዱ ብምግባር ክሲ ዝቐረቦም እቶም ነበር ፕሬዚዳንት÷ ብዛዕባ ክታበ ኮቪድ ዝገለፁዎ ሓበሬታ ዝዝክሩዎ ነገር ከምዘየለ ንፖሊስ ተዛሪቦም፡፡

ይኹን እምበር ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ቦልሶናሮን ካልኦት ሸሞንተ ሰባትን ናይ ሕሶት ምስክር ቀረቐት ክታበት ኮቪድ ብመሓዝን ዘይተገበአ ረብሓ ንምርካብ ከምኡ እውን ንዜጋታት ዝተሳሳተ ሓበሬታ ምሃብ ገበን ክሲ መስሪቱሎም፡፡

ወዲ 68 ዓመት ሽማግለ ጄር ቦልሶናሮ÷ ብዝተኸሰሱሉ ገበን ጥፍኣተኛ እንድሕር ተባሂሎም ናይ ማእሰርቲ ቅፅዓት ከምዝፅበዮም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment