ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ዕጡቓት ክልል ትግራይ ፀገማት ብሰላማዊ ዘተ ብምፍታሕ ብሓባር ንዕቤት ሃገር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ኣብ መቐለ ናብ ማእኸል ስልጠና ተሃድሶ ዝኣተዉ 320 ነበር ዕጡቓት ስልጠናኦም ብምዝዛም ዘላቒ መጣየሺ ሓገዝ ገንዘብ ተገይሩሎም ነናብ ዝመፅኡሉ ከባቢ ተመሊሶም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ኣብ ማእኸላት ስልጠና ተሃድሶ ዕዳጋ-ሓሙስን መቐለን 640 ነበር ዕጡቓት ክልል ትግራይ ስልጠና እናተኸታተሉ ይርከቡ።
ሰልጠንቲ ስልጠናኦም ወሲዶም ናብ ማሕበረሰቦም እንትምለሱ ኣካል ልምዓትን ሰላም ዝኾኑሉ ዕድል ከምዝፈጥረሎም ብምግላፅ ብመሰረት እቲ ስልጠና ብዝግበረሎም ሓገዝ ገንዘብ ብውልቀ ይኹን ብማሕበር ብምውዳብ ዝሐሸ ልምዓት ንምምዝጋብ ድሉዋት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝረኣዩ ዝረኣዩ ፀገማት ሰላም ብሰላማዊ ዘተ መፍትሒ ብመሃብ ንዕቤት ሃገር ተሓባቢርካ ምስራሕ ከምዘድሊ መልእኽቲ ኣመላሊፎም።
ኣብቀፃሊ ድማ ዓቕሞም ብዝፈቐዶ ኩሉ ኣካል ልምዓት ሃገር ብምዃን ንኣማራፂ ሰላም ቅድሚት ሂቦም ከምዝሰርሑ ምርግጋፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።