ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ኢምራን ካሃን ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ኢምራን ካሃን ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኢስላማባድ ኣብ ዝርከብ ቀፅሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ኢምራን ካሃን ብገዕዝይና ተጠርጢሮም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ዝፈልጡ እኳ እንተኾኑ፥ ነቲ ክሲ ፖለቲካዊ ኢዩ ብምባል ኢዮም ነፂገምዎ።

ኢምራን ካሃን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዚያ ካብ መንበረ ሰልጠጣን ቀዳማይ ሚኒስትርነት ዝተልዓሉ እንተኾኑ፥ ነዚ ስዒቡ ተደጋጋሚ ክሲ ይቐርበሎም ከምዝፀንሐ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment