ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ህንፃ ቤት ፅሕፈት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ሕድሳት ተዛዚሙ ተመሪቑ።
ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይ ኣሕመድ ሽዴ፣ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኢንጂነር አይሻ መሓመድ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቲካን ኣያናን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ከምኡ እውን ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ትካላት ኢትዮጵያን ኣባላት ኮሙዩኒቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ እቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ተኻይዱ።
ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቲካን ኣያና፥ ሕድሳት እቲ ህንጻ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ምዝዛሙ ካልኦት ሚሲዮናት እቲ ተሞክሮ ክወስዱ ከምዝግባእ ገሊፀን።
በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ ብግደኦም፥ ኣብ እዋን ምሕዳስ እቲ ህንፃ ተዋዲዶም ንዝተንቀሳቐሱ መዳርግቲ ኣካላት ኢትጵያን ጅቡቲን ኣመስጊኖም።
ሕድሳት ዝተገበረሉ ነበር ቤት ፅሕፈት እቲ ኤምባሲ፥ ካብ 1952 ክሳብ 1997 ዓ.ም ከም ቤት ፅሕፈት ኤምባሲን መንበሪ መራሒ ሚሲዮንን ኮይኑ እናገልገለ ዝፀንሐ ከምዝኾነን እቲ ሚሲዮን ሓዱሽ ናብ ዘህነፆ ህንፃ ምዝውዋሩ ስዒቡን ንነዊሕ ዓማውቲ ብዘይ ኣገልግሎትን ሕድሳትን ተዓፂዩ ዝፀንሐ ከምዝኾነ ኣብቲ መርህ ግብሪ ተሓቢሩ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።