ነበርቲ ዞባ ደቡብ ወሎ ክሳብ ግምባር ብምኻድ ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ዞባ ደቡብ ወሎ ክሳብ ግምባር ብምኻድ ንኣባላት ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ሓይሊን ሚሊሻን ልዕሊ 780 ሺሕ ብር ወፃኢ ብምግባር 24 ሰንጋታትን 46 ኣባጊዕን ሓገዝ ገይሮም።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ወሎ ኣይተ ሰይድ መሓመድ፥ ኣብቲ ግምባር ተረኺቦም ኣብቲ ዞባ ምስ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብን ማሕበረሰብ ዩኒቨርሲቲ ወሎን ዝተኣኻኸበ ሓገዝ ኣረኪቦም፡፡

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምድምሳስ እናተገበረ ዝርከብ ፃዕሪ ብልዑል ወነን ብቕዓትን ብትግባር ትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ንምንባር እቲ ሰራዊት እናገበሮ ዝርከብ ምድላውን ተጋድሎን ኣድኒቖም፡፡

ኣብቲ ከይዲ ህዝቢ ዞባ ደቡበው ወሎ ደጀን እቲ ሰራዊት ካብ ምዃን ሓሊፉ ኩለመዳይ ድጋፍን ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብቲ እዋን ካብቲ ዞባ ወረዳታት ጃማ፣ ወረኢሉ፣ ደሴ ዙሪያን ኣልብኮን ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 780 ሺሕ ብር ወፃኢ ብምግባር 24 ሰንጋታትን 46 ኣባጊዕን ኣመራርሓታት ፌዴራል፣ ክልል፣ ዞባታት፣ ኣመራርሓታት ተናሓናሕቲ ፓርቲ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ኣብ ዝተረኸቡሉ ነቲ ሰራዊት ከምዘረከቡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment