ነበርቲ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ሰልፊ ድጋፍ የካይዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ ብለውጢ ዝተረኸቡ ውፅታት ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ የካይዱ ኣለዉ።

ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታትን ከተማታትን ክልል ኦሮሚያ “ንሰላምና ዘብዒ ክንከውን ኢና! ለውጢ ክፀንዕ ክንገብር ኢና!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ እናተኻደ ይርከብ፡፡

ነበርቲ ዞባ ሆሮ ጉዱሩ ወለጋ እውን ብውሕሉል ኣመራርሓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ብለዉጢ መንግስቲን ዝተረኸቡ ለዉጢታት ንምድጋፍን ክቕፅሉ ንምግባርን ዝዓለመ ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ኣብ ከተማ ሻምቡ የካይዱ ኣለዉ፡፡

ሓደ ሓደ ዕዱማት እቲ ሰልፊ ድጋፍ፤ ኣብ ውሑዳት ዓመታት ብብርኪ ሃገርን ዓለም ለኸ ደረጃን ብዙሓት ዓወታት ከምዝተመዝገቡ ፀሪሖም፡፡

አዞም ዘዕግቡ ዓወታት ሰላምና ብምርግጋፅ ክንቅፅሎ ኢና ክብሉ እቶም ነበርቲ ምግላፆም ኦቢኤን ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment