ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዲጂታል ቴሌቶን ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ንክሳተፍ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዲጂታል ቴሌቶን ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ንክሳተፍ ከንቲባ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ፃውዒት ኣቕሪበን።
እተን ከንቲባ ኣብ መልእኽተን፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዘጀመርዎ ጎስጓስ #ውቅብቲኢትዮጵያ ንከተማና ልዑል ግደ ዘለዎ ኢዩ። ስለዝኾነ መላእ ነበርቲ ከተማና ፅሬት ምልክት ዘበናዊነት፣ ክብሪ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ ኢለን።
ኣብ ደገ ምሻን ነውሪ ብምዃኑ ነዚ ንምትራፍ ኣብ ዝተጀመረ ወፍሪ ዲጂታል ቴሌቶን ንክትሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪበን።
ህዝባዊ ሽቓቕ ብምህናፅ ክብሪ ሓሊኻ ናይ ምፍታንን ምሻንን ባህሊ ክብ ንምባል ዓሊሙ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ 18 ሚያዚያ 2016 ዓ ም ዕላዊ ኣብ ዝኾነ ጎስጓስ “ፅሩይ መገዲ-ናብራ ብጥዕና” ብዙሓት ዜጋታት ብምፅንባር ደገፍ ይገብሩ ኣለዉ።
ሎሚ መዓልቲ ንውቅብቲ ኢትዮጵያ ብር 50 ሚሊየን ኣብ ሓደ ፀሓይ ንምትእኽኻብ ዘኽእል ዲጂታል ቴሌቶን ሰለ ዝካይድ ናብዚ ንክፅንበሩ/ራን ደገፍ ንክገብሩ/ራን ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ።
ን#ውቅብእቲኢትዮጵያ
ኣብ ባንኪ ንግዲ ኣብ ዝተኸፈተ ቁፅሪ ሒሳብ 1000623230248፣
ብሔራዊ ባንክ ናይ ዶላር ኣካውንት 0101211300016 ን
ብስዊፍት ኮድ NBETETAA ጎስጓስ “ፅሩይ መገዲ – ናብራ ብጥዕና” ይፀንበሩ/ራ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment