ነበርቲን ምምሕዳር ከተማን ከተማ ሃዋሳ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልዕሊ ብር 11 ሚሊየን ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሕዳር፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበርቲን ምምሕዳር ከተማን ከተማ ሃዋሳ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብር 11 ሚሊየን 19 ሓገዝ ገይሮም።

ካብ ገንዘባዊ ሓገዝ ብተወሳኺ 41 ሰንጋታት ነቲ ሰራዊት ኣበርኪቶም።

ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ፣ ሰብ ሃፍቲን ነበርቲ እታ ከተማን ብጥረ ገንዘብን ብዓይነትን ሓገዝ ዝገበሩ ኣካላት ከምዝኾኑ እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ምክትል ከንቲባ ከተማ ሃዋሳ ፕሮፌሰር ፀጋዬ ቱኬ፥ ሰላም እታ ከተማ ብምሕላውን ዘብዒ ሰላም ብምዃን ኩሉ ዝከኣሎ ብፅሒት ንኽዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ከንቲባ ደጀን ሃገር ንዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓገዝ ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

ብተመሳሳሊ ዜና ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ንሰራዊት ምክልኻል ዝገበሩዎ ልዕሊ 900 ንሕርዲ ዝኾኑ እንስታትን ልዕሊ 700 ኩንታል እኽሊን ሓገዝ ሎሚ መዓልቲ ኣረኪቦም።

ነበርቲ እቲ ዞባ ብሓፈሻ 520 ሰንጋታት፣ 350 ኣባጊዕ፣ 60 ኣጣል፣ 520 ኩንታል ስርናይ፣ 110 ኩንታል ምሸላ ባሕሪን 100 ኩንታል ቡንን ብሓገዝ ኣተኣኻኺቦም።

እቲ ሓገዝ ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ፍቓዱ ተሰማ ካብ ኣመራርሓ እቲ ዞባ ተረኪቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment