ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ቀረብ ዓውዲ ግብርና ቴክኖሎጂምስ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ቀረብ ዓውዲ ግብርና ቴክኖሎጂ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንምስራሕ ንምስራሕ ቁርፀኛ ከምዝኾነት ኣረጋጊፃ።

ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰተር ቼክ ሪፐብሊክ ማሪያን ጁርካ ብምትሕብባር ኣብ ዝስርሑ ሃገራዊ ጉዳያት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኣብ ልምዓት ስርናይ፣ “ሌማት ትሩፋት”ን ሓምለዋይ ኣሰርን ዝተባባዕ ውፅኢት ምምዝጋቡ ኣብሪሆም።

ፍሪያት ንምስሳን ዝግበር ፃዕሪ ንምጉልባት ኣብ ዓውዲ ገብርና ሜካናይዜሽን ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ቼክ ሪፐብሊክ ብምትሕብባር ንምስራሕ ድልየት ከምዘለዋ ምግላፆም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ማሪያን ጁርካ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ንኢዶም።

ኣብ ቀረብ ዓውዲ ግብርና ቴክኖሎጂን ልምዓት እንስሳትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ሃገሮም ዘለዋ ቁርፀኝነት ኣረጋጊፆም።

 

Comments (0)
Add Comment