ቻይና ጎንፂ እስራኤል – ሓማስ ንምቁራፅ ነሸማግል ክትብል ንግብፂ ፃውዒት ኣቕሪባትላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ጎንፂ እስራኤል – ሓማስ ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰባን ነተን ሃገራት ምስ ግብፂ ብምዃን ክተሸማግለን ከምትደሊን ገሊፃ።

ፍሉይ ልኡኽ ጉዳያት ማእኸላይ ምብራቕ ቻይና ዣይ ጁን ከምዝበሉዎ÷ ብፍላይ እቲ ኲናት ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ እናተቐጠፈ ዝርከብ ህይወት ንፁሃን ከምዘተሓሳሰቦም ሳውዝ ቻይና ሞርኒንግ ፖስት ፀብፂቡ፡፡

ብምዃኑ ነተን ሃገራት ምስ ግብፂ ብምዃን ንምሽምጋል ድሌት ከምዘለዎም ሓጋዚ ሚኒስትር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፍልስጤም ኣብ ግብፂ ንዝኾኑ ኦሳማ ከድር ብስልኪ ነጊሮምዎም፡፡

ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ብዝለዓሉ ዘይምርድዳኣት ቤጂንግ ንዝኾነ ይኹን ወገን ከመዘይትውግን ምግላፆም እውን እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ ሓበሬታ ኣብ ኲናት እስራኤል ሃማስ 8 ሺሕን 137 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment