ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ኣብ 6 ሺሕ ሜትሮ ጥልቀት ባሕሪ ዳህሳስ ክትገብር ትኽእል ሮቦት ኣፋሊጣ።
እታ ዳህሳሲት ሮቦት ብመሳርሒ መቆፃፀሪ ርሕቐት ትሰርሕ እንትትከውን፥ ዌንሃይ -1 ዝብል ስያመ ተዋሂቡዋ።
ብኣካል ኢንስቲትዩት ኣካዳሚ ሳይንስ ሼንያንግ ቻይና ዝተሰርሐት እታ ሮቦት፥ 17 ዕዉታት ፈተነታት ከምዝገበረት ተገሊፁ፡፡
እታ ሮቦት ባዕላ፣ መቆፃፀሪ ርሕቐትን ክልቲኡ ብምውሃድን ኣገልግሎት ትህብ እንትትከውን፥ ጥንክር ዝበሉ ሳይንሳዊ ስራሕቲ ቀሊል ብዝኾ ኩነታት ናይ ምስላጥ ዓቕሚ ከምዘለዋ ምግላፁ ሲጂቲኤን ፀብፂ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com