ቻይና ኣብ መርሃ ግብሪ ቤልት ኤንድ ሮድ ዝትግበሩ ፕሮግራማት ኣፋሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ኣብ መርሃ ግብሪ ቤልት ኤንድ ሮድ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዝትግበሩ ፕሮግራማት ዕላዊ ገይራ፡፡

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኣብ ዝሃቦ መግለፂ÷ ድሕሪ ፅባሕ ኣብ ዝጅመር ጉባኤ ቻይና-ኣፍሪካ ዲጂታል ኢኮኖሚ፣ ሓምለዋይ ልምዓት፣ ልምዓት ኣባይቲ፣ ፈጠራን ሰብ ስራሕ ምስትውዓልን ሓዊሱ ስራሕቲ ቤልት ኤንድ ሮድ ክቐርቡ ኢዮም ኢሉ፡፡

ሃገራት ኣፍሪካ ፀገማተን ብናይ ባዕለን ዓቕሚ ንኽፈትሓ ቻይና ምሕዝነታ ከምትቕፅል እውን እቲ መግለፂ ኣረጋጊፁ፡፡

ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ኣብ መሰረተ-ልምዓትን ምትሕብባር ኢኮኖሚን እናሰርሐት ምፅናሓ ዘዘኻኸረ እቲ መግለጢ÷ መገዲ ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ከም መርአዪ ፀሪሑ፡፡

ቻይና መርሃ ግብሪ ቤልት ኤንድ ሮድ ኣብ 52 ሃገራት ኣፍሪካ ንምትግባር ስምምዕነት ምፍርራማ ተመልኪቱ፡፡

ብኣፈወርቅ እያዩ

Comments (0)
Add Comment