ቻይና ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ባይደን ፅዕንቶ ንምሕዳር ትፅዕር ኣላ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቻይና ኣብ ቀረባ እዋን ስልጣን ኣብ ልዕሊ ዝዝርከቡ ጉጅለ ባይደን ፅዕንቶ ንምሕዳር ዕሪ እናገበረት ከምዝኾነት ሰብ መዚ ድሕንነት ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።

ኣብታ ሃገር መሳርሕቲ ትካል ብሄራዊ ድሕንነት ዝኾና ዊሊያም ኢቫኒና ከምዝገለፀኦ፥ ቻይና ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ባይደን ዘለዉ ውልቀ ሰባት ዒላማ ምግባራ ኢዩ፡፡

ብተወሳኺ ድማ ቻይና ኣሜሪካ ክትባት ቫይረስ ኮሮና ንምርካብ ኣብትገብሮ ፃዕሪን ኣብ ቀረባ እዋን ዘትሳለጠ መረፃን ኢድ ንምእታው ምፍታና ኣብሪሀን፡፡

ኢቪኒቫ ከምዝበለኦ፥ እቲ ሓዱሽ ምምሕዳር ንፅዕንቶ ቻይና ክርዳእ ከምዝግበኦ ኣተሓሳሲበን፡፡

ኣብ 2020 ጎስጓስ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኣሜሪካ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን፥ ትራምፕ ኣብ ቻይና ዘነበሮም ሒሳብ ደፍተር ከምኡ እውን ወዲ ጆ ባይደን ምስ ቻይና ዝገበሮ ስምምዕነት ንግዲ ተተሓሒዙ ስሞም እናተልዓለ ከምዝነበረ ይዝከር፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment