ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ንእስራኤልን ፍልስጤምን ንምሽምጋል ዝኸኣለቶ ኩሉ ከምትገብር ኣፍሊጣ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ከምዝበሉዎ÷ እቲ ሽምግልና እተን ሃገራት ናብ ሰላም ዘብፅሕ እንተኾይኑ ቻይና ዝኾነ ይኹን ናይ መፍትሒ ስጉምቲ ኣጥቢቓ ትድግፎ ኢያ፡፡
ዋንግ እስራኤል ኣብ ዞባ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርከቡ ቻይናውያንን ትካላትን ድሕንነት ንኽተረጋግፅ ፃውዒት ምምሕልላፎም ታይምስ ላይቭ ፀብፂቡ፡፡
ሃገራት ባዕለን ናይ ምክልኻልን ድሕንነተን ናይ ምርግጋፅን መሰለ ከምዘለወን ብምሕባር÷ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊታትን ድሕንነት ንፁሃንን ምሕላዎም ምርግጋፅ ከምዘድሊ ግን ኣገንዚቦም፡፡
እቶም ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢ ኣብ ጎንፂ እስራኤል-ፍልስጤም ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ዝኾነኑ እንትኾኑ÷ ስጉምቲ እስራኤል “ንባዕልኻ ካብ ምክልኻል ዝሓለፈ ኢዩ” ኢሎምዎ፡፡
ቻይና ውፅኢታዊ ዝኾነ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሰላም ኣብ ቀረባ እዋን ንኽካየድ ምሕታታ እውን ዋን ዪ ተዛሪቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com