ቻይና ንኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ሓገዝ ከምትገብር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር  ሳይንስን ቴክኖሎጂን ቻይናን ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሎም ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ኢ/ር) ብዛዕባ ስራሕቲ እቲ ኢንስቲትዩት ገለፃ ገይሮም፡፡

ክልቲአኦም ትካላት ኣብ ስራሕቲ ቴክኖሎጂ፣ ህንፀት ዓቕሚ፣ ምርምርን ልምዓትን ሓቢሮም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ኣብቲ መድረኽ ተላዒሉ፡፡

ኣመራርሓ ሚኒስቴር  ሳይንስን ቴክኖሎጂን ቻይና ሬን ሆንግቦ ብግደኦም፥ ትካሎም ነቲ ኢንስቲትዩት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ንምግባር ድሉው ከምዝኾነ ምግላፆም ሓበሬታ እቲ ኢንስቲትዩት የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment