ቻይና ንኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ነፃ ዕድል ትምህርቲ ሂባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ን200 ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ነፃ ዕድል ትምህርቲ ምጋባ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ቻይና ንኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ብዝሃቦ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ተረባሕቲ ካብ ዝኾኑ እቶም 23 ተምሃሮ ብኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ስነ ስርዓት ምፍናው ተገይሩሎም።

ኣማኻሪ ሚኒስቴር እቲ ኤምባሲ ሸን ኪንሚን፥ ቻይና ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ትሰርሕ ኣላ ኢሎም።

ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ እታ ሃገር በቢዓመቱ ንብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ተምሃሮ ነፃ ዕድል ትምህርቲ ትህብ ከምዝላ ኣዘኻኺሮም።

ኣብዚ ዓመት እውን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት 200 ተምሃሮ ተረባሕቲ ነፃ ዕድል ትምህርቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

Comments (0)
Add Comment