ቻይና ንሆስፒታል ጥሩነሽ ቤጂንግ ሓገዝ እታወት ሕክምና ክትገብር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ቻይና 8 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ንሆስፒታል ጥሩነሽ ቤጂንግ ሓገዝ እታወት ሕክምና ክትገብር ኢያ።

ሚኒሰስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰን ሚኒስትር ዴኤታ ዶክተር ደረጀ ዱጉማን ብምኽትል ኮሚሽን ብሄራዊ ጥዕና ሚኒስትር ዶክተር ካኦ ዡታዎ ዝተመርሐ ልኡኅ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቻይናን ዘለዉ ምትሕብባራትን ኣብ ቀፃሊ ብሓባር ክስርሑ ዝኽእሉ ስራሕቲ ጥዕናን ዘቲዮም፡፡

ዶክተር ሊያ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ÷ መንግስቲ ቻይና ንሆስፒታል ጥሩነሽ ቤጂንግ ብዝገብሮ ሓገዝ እታወት ሕክምና ካብ እዋን ናብ እዋን እናተመሓየሸ ይርከብ፡፡

ኣብ መዛዘሚ እቲ ዘተ ድማ÷ መንግስቲ ቻይና 8 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ዘውፅእ እታወት ሕክምና ንሆስፒታል ጥሩነሽ ቤጂንግ ሓገዝ ንምግባር ዘኽእሎ ስምምዕነት ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ተፈራሪሙ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment