ቻይና ቀዳሞት ክልተ ብርኪ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምፍዋስ ዝተጠቐመትሉ ባህላዊ መድሓኒት ንኢትዮጵያ ክትልግስ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ቀዳሞት ክልተ ብርኪ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምፍዋስ ዝተጠቐመትሉ ባህላዊ መድሓኒት ንኢትዮጵያ ብመልክዕ ደገፍ ክትልግስ ኢያ።

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሚኒስቴር ጥዕናን ፌዴሪኢ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምቁፅፃር ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ብምድሃብ ምስ ሓካይም ባህላዊ ሕክምናን ተመራመርቲን ቻይና ተዛቲዮም።

ቻይና ባህላዊ መድሓኒት ብምጥቃም ውፅኢታዊ ብዝኾነ መልክዑ ቫይረስኮሮና ንምቁፅፃር ዝኸኣለትሉ መገዲታት ንኢትዮጵያ ንምክፋል ድልውቲ ከምዝኾነት ኣብቲ መድረኽ ገሊፃ።

ብፍላይ ቀዳሞት ክልተ ብርኪ ሕማም ለበዳ ቫይረስኮሮና ንምፍዋስ ዝተጠቐመትሎም ክልተ ዓይነታት ባህላዊ መድሓኒት ብመልዕዕ ደገፍ ንኢትዮጵያ ንምሃብ ምስምዕማዓ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ባህላዊ ሕክምና ኢትዮጵያ ትካላዊ ብዝኾነ መገዲ ናብ ስራሕ ንምእታው ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብቴክኖሎጂ፣ ናውቲን ሞያን ክድግፍ ኢየ ኢላ ኣላ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ኢንጂነር ኣብረሃም በላይ፥ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ምስ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ጎድኒ ንጎድኒ ቻይና እትገብሮ ደገፍ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ባህላዊ ሕክምና ኢትዮጵያ ሕጋዊ ማዕቐፍ ሃሊዩዎ ናብ ስራሕ ንክኣትው ዝተጀመረ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ንክኸውን ኢትዮጵያ ልምዲ ቻይና ክምእትጠልብ እውን ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment