ቻይና ሰብ ዝሓዘት መኮራኹር ክተሕምብብ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ሰብ ዝሓዘት መኮራኹር ክተሕምብብ ምዃና ትካል ምርምር ጠፈር እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሼንዡ – 17 ብዝተብሃለት መንኮራኹር ፅባሕ ናብ ጠፈር ዝለኣኹ ሰለስተ ተመራመርቲ÷ ታንግ ሆንግቦ፣ ታንግ ሼንግጂን ጂያንግ ዢንሊን ከምዝበሃሉ እውን ቲ ኣር ቲ ወርልድ ፀብፂቡ፡፡

ብመናእሰይ ተመራመርቲ ጠፈር ትምራሕ መንኮራኹር፥ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ቻይና ካብ ዝርከብ ጁኳን ማእኸል ጠፈር ከምትሕምበብ ተገሊፁ፡፡

እታ መንኮራኹር ልእኽቶኣ ንምፍፃም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ ሚያዝያ 2024 ኣብ ጠፈር ክትፀንሕ ኢያ ተባሂሉ፡፡

ናይ ሕዚ ልኡኽቶ ጣቢያ ጠፈር ምርምር ቻይና ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ብዕድመ ዝነኣሱ መናእሰይ ዘካተተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment