ቻይና ሰብ ሞያታት ሕክምና ናብ ኢትዮጵያ ክትልእኽ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቻይና ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ሓገዝ ዝገብሩ ሰብ ሞያታት ሕክምና ክትልእኽ ኢያ።

ቻይና ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ናብ ቡርኪናፋሶ እውን ሰብ ሞያታት ሕክምና ክትልእኽ ኢያ ተባሂሉ።

እቶም ሰብ ሞያታት ሕክምና ልምዶም ከምዘካፍሉን ኮቪድ-19 ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝሕግዙ መምርሒታትን ቴክኒካዊ ምኽሪታትን ንሰብ ሞያታት ጥዕናን ንትካላት ሕክምናን ከምዘካፍሉ ተገሊፁ።

ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዋ ዝገለፁ ኣቐባሊ ቓል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ዝሆ ሊጂኣን፥ ሃገሮም እቲ ቫይረስ ኣብ ኣፍሪካ ከይስፋሕፋሕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ስራሕቲ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሓገዝ ከምትገብር ኣብሆም።

ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ኩነታት ብቐረባ እናተኸታተለት ከምዝኾነት ዝገለፀት ቻይና፥ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ዝሕግዙ መሳርሒታት ከምተቕርብ እውን ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment