ቻይና ምትሕብባር ቤልት ኤንድ ሮድ ብፅት ንምትግባር የኽእለኒ ዝበለቶ ትልሚ ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ምትሕብባር ”ቤልት ኤንድ ሮድ” ብልዑል ፅሬት ንምትግባር የኽእል ዝበሉዎም ሸሞንተ ደረጃታት ትልሚ እታ ሃር ዕላዊ ጉሮመረ፡፡

ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ እቲ ትልሚ ዕላዊ ዝገበሩ÷ ኣብ ቤጂን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ሳልሳይ ዓለም ለኸ ፎረም ”ቤልት ኤንድ ሮድ” መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝገበሩዎ መደረ ከምዝኾነ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ።

ንመፈፀሚ እቶም ፕሮጀክታት ባንኪ ልምዓት ቻይናን ባንኪ ኣታዊ -ወፃኢ ቻይናን ሕድሕዶም 350 ቢሊየን ዩዋን (48 ነጥቢ 75 ቢሊየን ዶላር) መድቦም ከምዝንቀሳቐሱ ፕሬዚዳንት ሺ ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 80 ቢሊየን ዩዋን ንፕሮጀክት ”ሲልክ ኤንድ ሮድ” ፈሰስ ከምዝግበር ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንመደረ ዘስምዑ እንትኾኑ÷ ታሪኻዊ ርክብን ዕቤትን ቻይናን ኣህጉር ኣፍሪካን ጠሚቶም ገለፃ ገይሮም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment