ቻይና ምስ ኣሜሪካ ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ዘለዋ ምትሕብባር ከምዘቋረፀት ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምስ ኣሜሪካ ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ዘለዋ ምትሕብባር ከምዘቋረፀት ኣፍሊጣ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እቲ ስጉምቲ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ “መትከል ሓንቲ ቻይና” ብምግሃስ ኣብ ታይዋን ምብፃሕ ምግባረን ስዒቡ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ውሳነ ቻይና ምስ ኣመሪካ ኣብ ለውጢ ክሌማ፣ ወተሃደራዊ ጉዳያት፣ ዓለም ለኸ ገበናት ብሓባር ምቅላስ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝነበራ ምትሕበባር ከምዘቋረፀት ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ብወተሃደራዊ ሰብ መዚ ዝካየድ ሓበራዊ ዘተ ከምዝቋረፅ ተሓቢሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ናንሲ ፔሎሲ ልኡላውነት ቻይና ዝዳፈር ምብፃሕ ኣካይደን ብዝብል ኣብ ልዕሊ እተን ኣፈ ጉባኤን ቤተሰብን ማዕቐብ ከምዘንበረት ተገሊፁ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ቢሊንከን ብግደኦም፥ ቻይና ምስ ዋሽንግተን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘለዋ ርክብ ንምቁራፅ ዝገበረቶ ውሳነ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኢዩ ኢሎም ክበል በቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

Comments (0)
Add Comment