ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ንግዲ ንምጥንኻር ድልውቲ ምዃና ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ንግዲ ንምጥንኻር ድልውቲ ምዃና ገሊፃ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ንግዲ ቻይና ተዛቲዮም፡፡

እቲ ልኡኽ ብምክትል ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ዓለም ለኸ መምርሒ ርክብ መስፋሕፍሒ ንግዲ ቻይና ዣንግ ሻኦጋንግ ዝተመርሐ ኢዩ፡፡

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ነቶም ልኡኻት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተገበረ “ኩለመዳይ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንብረት ኣየር” ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቻይናውያን ናብ ኢትዮጵያ ብምምፃእ ኣብ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ፣ ኬሚካልን መዳበሪያን ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲታት ምፍራይ ሓፂነ መፂን ኢንቨስት ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

“ኢትዮጵያ ንቻይና ጠቓሚት መብፅሒት ኢንቨስትመንት ኮይና ኣላ” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ፥ ቻይና እውን ቀንዲ ፍልፍል ኢንቨስትመንትን ንኢትዮጵያ ቁልፊ መሓዛ ልምዓትን ከምዝኾነት ሓቢሮም።

እቶም ምክትል ኣቦ መንበር ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ቤተሰብ ብሪክስ ብምዃና እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ድማ ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ድልውቲ ምዃና ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment