ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብምትሕብባር ንምስራሕን ኣድላዪ ደገፍ ንምግባርን ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብምትሕብባር ንምስራሕን ኣድላዪ ደገፍ ንምግባርን ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፃ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተሾመ ቶጋ ምስ ዳይሬክተር ማእኸል ምክልኻለን ምቁፅፃርን ሕማማት(ሲ ዲ ሲ) ጉው ፉ ብኢንተርኔት ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዘተኦም፥ ከልቲአን ሃገራት ኣብ ምክልኻለን ምቁፅፃርን ሕማማት ብመትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእልወን ጉዳያት ምልዛበን ተገሊፁ።

አምባሳደር ተሾመ ኢትዮጵያና ቻይና ያላቸውን ዘርፈ ብዙ ትብብርና ግንኙነት በውይይቱ አንስተዋል፡፡

እተን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ሕክምና ሐዚ ካብ ዘሎ በርኪ ክብ ንምባል ብክልቲኡ ወገን ልዑል ባህጊ ከምዘሎ እውን ምሕባሩ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment