ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምስ ትካላት ምርምር ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ብምውዳድ አንተሰሪሓ ሓበራዊ ረብሓ ኣለዎ ክብሎ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።
ኣይተ መላኩ ምስ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ቸይ ሄይ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ምስ ዘለዋ ርኡይ ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ብተወሳኺ ምስ ትካላት ምርምርን መፅናዕቲን ኢንዱስትሪ እንተሰሪሓ ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ብምውዳድ ምስርሑ ንክልቲአን ሃገራት ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ምግላፆም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።