ቻይና መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝገብሮ ሓገዝ ህዝቢ ናብ ዝነበሮ ስሩዕ ህይወት ንምምላስ ዝገብሮ ፃዕሪ ከምትድግፍ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝገብሮ ሓገዝ ህዝቢ ናብ ዝነበሮ ስሩዕ ህይወት ንምምላስ ዝገብሮ ፃዕሪ ከምትድግፍ ኣፍሊጣ።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዋንግ ዌንቢን ሃገሮም ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺ ከምትቕፅል ተዛሪቦም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ክልል ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሕሩጭን ሩዝን ሓዊሱ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምትገብር ኣፍሊጦም፡፡

እቶም ኣቐባሊ ቃል ኩሎም ኢትዮጵያውያን ሰላም ምርግጋእን ምዕባለን ሃገሮም ከምዘሕጉሶም ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

ቻይና እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝተጎድኡ ዝገብሮ ሓገዝ ስሩዕ ህይወት ናብ ዝነበሮ ክምለስ ዝገብሮ ፃዕሪ ትድግፎ ኢያ ኢሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዝሐሸ ድጋፍ ንኽገብርን ዝነበረ ስሩዕ ህይወት ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ ብምውዳድ ንኽስራሕ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment