ቻይና ልዕሊ 100 ንዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን ተምሃሮ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ሂባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ልዕሊ 100 ንዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን ተምሃሮ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ሂባ፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና÷ እቲ ዕድል ዝረኸቡ ተምሃሮ ተማሂሮም ንሃገሮምን ንባዕሎምብ ክጠቕሙ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ዕድል ትምህርቲ ቅድሚ 5 ዓመታት ዝተጀመረ “ኣካል ፍሬንድሽፕ ስኮላርሺፕ ቻይና ኢትዮጵያ” ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ን80 ተምሃሮ ቀዳማይ ዲግሪ፣ ን6 ተምሃሮ ሳልሳይ ዲግሪ፣ ን18 ተምሃሮ ቋንቋ ቻይና፣ 12 ተምሃሮ ንተምሃሮ ፕሮጀክት ስኮላርሺፕ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ሓደ ተምሃራይ ዕድል ትምህርቲ ፈንድ መፅናዕቲን ዝተውሃበ ዕድል ኢዩ።

ብሓፈሻ ዝተውሃበ ዕድል ትምህርቲ÷ 2 ነጥ 19 ሚሊየን ብር ዘውጽእ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ መፅናዕቲን ምርምርን ዘለዋ ምትሕብባር ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment