ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ድሕሪ 11 ሰሙናት ምንቅስቓስ ፈቒዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ንፈለማ እዋን ዝተረኸበላ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ድሕሪ 11 ሰሙናት ምቅስቓስ ከምዝፈቐደት ተገሊፁ።

ቫይረስ ኮሮና ካብ ዝርከበላ እዋን ጀሚሩ ንዝሓለፉ 76 መዓልቲታት ተዓፂያ ዝፀንሐት እታ ከተማ፥ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚራ ናብ ስሩዕ ምንቅስቓሳ ተመሊሳ ኣላ።

ከታ ዉሃን ዝርገሐ ኮቪድ-19 ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ምብፅሑ ስዒቡ ኢያ ተዓፂያ ንኽትፀንሕ ዝተገደደት።

ነበርቲ እታ ከተማ እውን ብመንግስቲ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ ተቐቢሎም ኣብ ገዝኦም ክፀንሑ ክኢሎም ኢዮም።

ብዝተወሰዱ ስጉምቲታት ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን መጠን ዝርገሐ እቲ ለበዳ ሕማም ምቁፅፃር ስለዝተኽኣለ እታ ከተማ ዳግም ክትክፈት ክኢላ ኣላ።

ከም ባቡር ዝበሉ ናይ ትራንፖርት ምንቅስቓሳት ስራሕ ከምዝጀመሩ እውን ተገሊፁ።
ብምርመራ ላቦራቶሪ እቲ ቫይረስ ከምዘይብሎም ዝተረጋገፁ ሰባት ኣብታ ከተማ ንኽንቀሳቐሱ ተፈቒዱሎም ኣሎ ተባሂሉ።

ስሩዕ ምንቅስቓስ ምፍቃዱ ስዕቡ ርኢቶ ዝሃቡ ነበርቲ እታ ከተማ፥ “ዓለም ካባና ክትመሃር ኢያ ኢልና ተስፋ ንገብር” ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ከተማ ዉሃን 11 ሚሊየን ሰባት ዝነብሩ እንትኾኑ፥ ኣብ ቻይና በቲ ቫይረስ ህይወቶም ካብ ሞንጎ ዝሓለፉ ሰባት ልዑል ቁፅሪ ዝተመዝገበላ ከተማ ምዃና ይፍለጥ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment