ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይናን ኬንያን ኣብ ”ቤልት ኤንድ ሮድ” ዘለወን ምትሕብባ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን።
ዳይሬክተር ኮሚሽን ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ምስ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ኣብ ናይሮቢ ብምርኻብ÷ ክልቲአን ሃገራ ኣብ ቤልት ኤንድ ሮድ ዘለወን ምትሕብባር ምጥንኻር ኣብ ዝኽእላሉ ኩነታት ምዝታየን ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡
ዋንግ ዪ፤ ቻይና ምስ ኬንያ ን60 ዓመታት ዝዘለቐ ስትራቴጂያዊ ርክብ ከምዘለዋ ብምሕባር፥ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝጀመራሉ መዓልቲምስረታ እናኽበራ ከምዝኾና ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ልምዓትን ካልኦት ብዙሓት ዓውዲታትን ምሕዝነተን ብዝበለፀ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ከምዝሰርሓ ወሲኾም ገሊፆም።
ኬንያ ምስ ትኽተሎ ሃገራዊ ነባራዊ ኩነታት ዝተጠዓዓመ ጎደና ዕቤት÷ ቻይና ሓገዝ ከምትገብር እውን ዋንግ ዪ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ” መርሃ-ግብሪ ቤልት ኤንድ ሮድ” ÷ ቻይና ምስ ኬንያ ኣብ ዘፈር ባቡር፣ መሰረተ-ልምዓት መገዲ፣ ትራንስፖርት ኣየር፣ ሓበሬታን ካልኦት ዓውዲታትን ብሓባር ምስራሓ ከምትቕፅል ኣረጋጊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com