ቻይናን ኣሜሪካን ቅልውላው ክሌማዊ ለውጢ ንምፍታሕ ብሓባር ክሰርሓ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይናን ኣሜሪካን መተሓሳሰቢ እናኾነ ዝመፅአ ቅልውላው ክሌማዊ ለውጢ ንምፍታሕ ብሓባር ከምዝሰርሓ ገሊፀን።

እተን ሃገራት ምትሕብባረን ንምድንፋዕ ከምዝተስማዕማዓን ሓበራዊ መግለፂ ከምዘውፃኣን ሚኒስቴር ስነ-ምህዳርን ሓለዋ ከባቢን ቻይና ሎሚ ዕላዊ ምግባሩ ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ።

ፍሉይ ልኡኽ ክሌማዊ ለውጢ ቻይና ዢ ዠንዋን ናይ ኣሜሪካ መዘነኦም ጆን ኬሪን÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 16 ክሳብ 19 ሓምለ ኣብ ቻይና ቤጂንግ ከምኡ እውን ካብ 4 ክሳብ 7 ሕዳር ኣብ ኣሜሪካ ካሊፎርኒያ ከምዝዘተዩ እቲ ፀብፃብ ኣዘኻኺሩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment