ቻይናን ስዑድ ዓረብን ኣብ ዘፈር ምክልኻል ዘለወን ርክብ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይናን ስዑድ ዓረብን ኣብ ዘፈር ምክልኻልን ኢነርጂን ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን።

ኣብ ስዑድ ዓረብ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ዝርከቡ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ÷ ምስ ንጉስ እታ ሃገር ሰልማን ቢን ኣብዱል ኣዚዝ ኣል ስዑድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያ ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ክልቲአን ሃገራት ሓበራዊ ረብሐአን ብዝሓለወ  መልክዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተዋዲዶም ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ተገሊፁ፡፡

እተን ሃገራት ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ነዳዲ ዘይቲ ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘለወን ድሌት ዳግም ምርግጋፆም ተሓቢሩ፡፡

ብፍላይ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ምክልኻልን ቀረብ ሓይሊን ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝተፈራረሙ ሺንዋ ፀብፂቡ፡፡

ስትራቴጂያዊ ርክቦም ብዝበለፀ ንምጥንኻር ድማ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቶም ኢድ ንዘይምእታው መምርሒ ኣኽቢሮም ከምዝንቀሳቐሱ እውን ኣፍሊጦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment