ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብዓወት ጋንታ ሊቨርፑል ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ጋንታታት ማንቸስተር ዩናይትድን ሊቨርፑልን ዝተኻየደ ፀወታ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብዓወት ጋንታ ሊቨርፑል 3 ን 0 ተዛዚሙ።

ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ እዚ ሰሙን ካብ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ኣብ ስታዲየም ኦልርታራፎርድ ዝተኻየደ እንትኸውን÷ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣን ኣብ ቅድሚ ደገፍታን ስዕረት ኣተኣናጊዳ።

ሊቨርፑል 3 ን 0 ንኽትዕወት÷ ሉዊስ ዲያዝ ኣብ መበል 35 ን 42 ደቒቕ፤ ሞ ሳላህ ኣብ መበል 56 ደቒቕ ነተን ሸቶታት ኣመዝጊቦምወን፡፡

ነዚ ስዒቡ ሊቨርፑል ኣብቲ ሊግ ካልኣይ ደረጃ እንትትሕዝ÷ ሞ ሳላህ ድማ ኣብ ስታዲየም ኦልድታሮፍርድ ዘመዝገበን ሸቶታት ናብ 10 ክብ ከብል ክኢሉ።

Comments (0)
Add Comment