ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዓቕሚ ገንዘብን ፊሲካል ፖሊሲን ዝሃንፅ ከምዝኾነ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዓቕሚ ገንዘብን ፊሲካል ፖሊሲን ዝሃንፅን ስርዓት ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ዘዘምንን ከምዝኾነ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ገንዘብን ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ገሊፆም።

መንግስቲ ቀፃሊ ኣብ ዝኾነ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምምዝጋብን ኩለመዳይ ተረባሕነት ንምርግጋፅን ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዓቕሚ ብዝተማለአ መልክዑ ብዕሊ ምዝማሩ ይፍለጥ።

ኣብ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣማኻሪ ፖሊሲ ፊሲካል መዝገቡ ኣምሃ÷ ሙሉእ ትግበራ እቲ ፖሊሲው ብኽነት ሃፍቲ ክተርፍ ብምግባር መፍረያይነት ኣብ ምድንፋዕን ኢንቨስትመንትን ኣብ ምዕባይን ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ሸርፊ ወፃኢን ሚዛን ክፍሊትን ከምኡ እውን ድሕንነት ፊሲካል ብምሕላው ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ፀሪሖም።

ኣብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ፈፃሚ ስራሕ ምምሕዳር ትልሚን ኢንቨስትመንት መንግስቲን በረከት ፍስሃፅዮን÷ ሙሉ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ጥንኩር ሲቪል ሰርቪስ ዓቕሚ ገንዘብን ፊሲካል ፖሊሲን ብምህናፅ ስርዓት ምሕደራ ሸርፊ ወፃኢ ንምዝማን ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ መንግስቲ ኣብ ነዳዲ፣ መዳበሪያ፣ ዘይቲ፣ መድሓኒትን ካልኦትን ድጎማ ምግባሩ ዕዙዝ ረብሓ ዘለዎ ከምዝኾነ እቶም ኣማኻሪ ኣልዒሎም።

እቲ ትግበራ ፖሊሲ ዝተማለአ ማክሮ ኢኮኖሚ ዕዉት ንኽኸውን ድማ ብፍላይ ሙሁራን፣ ትካላት ፍትሒ፣ ማሕበረሰብ ንግዲ ብሓፈሻ ዜጋታት ትፅቢት ዝግበረሎም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ምግንዛቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment